ፈትሹ/ድለዩ
ነቶም ትረኽብዎም ዝነበርኩም ሰባት ምድላይ
ዝርዝር ናይ ምስ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ርክብ ዝጸንሖም ሰባት ንምውጻእ። እዞም ሰባት እዚም ምስ ዝተለኽፈ ሰብ ርክብ ከምዝነበሮምን ንውልቃዊ ጽሬት ከኣ ጥቡቕ ቆላሕታ ክገብርሉን ክሕበሩ እዮም። ብኸምዚ መንገዲ፡ ነፍስ ወከፍ ሰብ ኣብ ቃልሲ ኣንጻአ'ቲ ኮሮናቫይረስ ክሕግዝ ይኽእል።
መግለጺ ጾታዊ መለለዪ
ከም ሰባት፡ ብዛዕባ ውሽጣዊ ስምዒትናን ገዛእ-ርእስናን ዝመጸ ኣብ ከባቢና ንእነንጸባርቖ ዝንባለ ይገልጽ። ነዚ፡ ብመገዲ ኣከዳድናና፡ ኣዘራርባና ወይ ኣካላዊ ምልክታትና... ከነንጸባርቖ ንኽእል።
ቤልጂዩም፡ ብንጉስ እትምራሕ ንጉሳዊት ሃገር እያ። እቲ ንጉስ ድሩት ፖለቲካዊ ስልጣን ኣለዎ፣ ግን ንሱ ሓያል ምልክት/መርኣያ ናይታ ሃገር እዩ።
ንዓኹም ናብ ዝተመደበ መቐበሊ ቦታ ንኽትከዱ ናይ ባቡር ድዩስ ናይ ኣውቶቡስ ትኬት ኪወሃበኩም እዩ።
ኵነተ-ሃለዋት/መሰል ናይ ዕቑብ ስደተኛ ዝጸደቐሎም፡ ማለት ከም ዕቑባት ስደተኛታት ተቐባልነት ዝረኸቡ ሰባት ኣብ ቤልጂዩም ክጸንሑ ይኽእሉ እዮም።
ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ሰርትፍኬት ምስሓዝኩም፡ ትምህርትኹም ኣብ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ክትቅጽሉ ትኽእሉ። ላዕለዋይ ትምህርቲ፡ ናብ ዕዳጋ ስራሕ ዘምርሓኩም ዲፕሎማታት የውህበኩም፥ መምህር፡ ኣላዪ/ት ሕሙማት፡ ሰራሕተኛ ሕሳብ ወይ ኣካውንታንት፡ ወዘተ።
ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ንኽትዕቈቡ መሰል ዶ የብልኩምን ከምኡ'ውን ክትድቅሱሉ እትኽእሉ ውሑስ ዝዀነ ቦታ/ኣከባቢ ዶ ኸ ትደልዩ ኣለኹም? ኣብ ቤልጅዩም፡ ዝተፋላለያ ንጽጉማት ሰባት ዝሕግዛን መጽለሊ ዝህባን ትካላት ኣለዋ።
ኣብ ቤልጅዩም መድሕን ጥዕናምውጻእ ግዴታዊ እዩ። ምስእትሓሙ፡ ማዕከን መድሕን ጥዕና ንዝበዝሕ ክፋል ወጻኢታት ናይ ሕክምናኹም ይሽፍኖ እዩ። ብምኽንያት ሕማም ዓዲ ምስእትውዕሉ፡ ኣምሳያ ደሞዝኩም ገንዘባዊ መሕወዪ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣብ እዋን'ቲ እተካይዱዎ ዉልቃዊ ቃለ-መሕትት፡ ስለምንታይ ንመበቆል ሃገርኩም ገዲፍኩም ክትመጹ መሪጽኩም፡ ከምኡ ድማ ስለምንታይ ናብ መበቆል ሃገርኩም ክትምለሱ ዘይክኣልኩም ወይ ክትምለሱ ዘይደለኹም መብርሂ ክትህቡ ኢኹም።
