ብሕትውና
እዚ መግለጺ እዚ Fedasil ምስ ተጠቃምነት መርበብ ገጽ fedasilinfo.be ብዝተኣሳሰር ውልቃዊ ዳታ ብኸመይ ከምዝምስርሖ ይሕብር፣ ከምኡ'ውን ኣብዚ Fedasil ከም ናይ ዳታ ተቆጻጻሪ ኮይኑ ይዓዪ።
Fedasil ንውልቃዊ ዳታኹም ብመሰረት ሓፈሻዊ ደንቢ ሓለዋ ዳታ፡ "GDPR" ብዝብል ኣሕጽሮተ ቃል ዝፍለጥ፡ ከምኡ'ውን ብመሰረት ኣዋጅ 30 ሓምለ 2018 ንምምስራሕ ውልቃዊ ዳታ ብዝምልከት ንውልቀሰባት ሓለዋ ብምግባር ይሕዞ።
ዕላማ ናይዚ መግለጺ ብሕትውና፡ እንታይ ዓይነት ውልቃዊ ዳታን ንምንታይ ዕላማን ከም ዝምስራሕን መሰላትኩም እንታይ ምዃኑን ብዝምልከት ዝያዳ ግሉጽነት ንምሃብ እዩ።
ተቆጻጻሪ ዳታ
Fedasil፡ ፌደራላዊ ትካል ምቕባል ሓተትቲ ዑቕባ (Kartuizersstraat 21፡ 1030 Brussels)፡ ብዋና ዳይሬክተር ዝውከል ኮይኑ፡ ምስ መርበብ ሓበሬታ www.fedasilinfo.be ብዝተኣሳሰር ንዝካየድ ምምስራሕ ውልቃዊ ዳታ ሓላፍነት ዝስከም ተቖጻጻሪ ዳታ እዩ።
ሓላፊ ሓለዋ ዳታ (DPO)፦
ሓላፊ ሓለዋ ዳታ፡ ኣብ ትሕቲ GDPR ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ዳታኹምን መሰላትኩምን ብዝምልከት፡ ኣብዚ መግለጺ ብሕትውና መልሲ ዘይተረኽበሎም ሕቶታት ምስ ዝህልዉኹም እትውከሱዎ ሰብ እዩ።
ናይ Fesasil ሓላፊ ሓለዋ ዳታ (DPO) በዚ ዝስዕብ ክትውከሱዎ ትኽእሉ ኢኹም፦
• ብኢ-መይል፦ privacy@fedasil.be
• ብመገዲ ናይ ርክብ ቅጥዒ
• ብፖስታ
Fedasil
ናብ ዝምልከቶ ‘DPO’
Kartuizersstraat 21
1000 Brussels
ስለምንታይ እዩ Fedasil ዳታኹም ዝምስርሕ?
ብመገዲ ናይ ርክብ ቅጥዒ ወይ ኢመይል ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ውልቃዊ ዳታ
ብመገዲ ኣብ መርበብ ሓበሬታና ዝርከብ ናይ ርክብ ቅጥዒ ወይ ብኢመይል ውልቃዊ ሓበሬታ (ከም ስም፡ ኢመይልን ቁጽሪ ስልክን) ምስ እትህቡ፡ ነዚ ሓበሬታ ንሕቶኹም መልሲ ንምሃብ ጥራይ ኢና እንጥቀመሉ። ነዚ ንምምስራሕ ኣብ ናትኩም ፍቓድ ንምርኮስ።
ናይ ድሕነት መዛግብቲ (Security logs)
ብተወሳኺ፡ ንመርበብ ሓበሬታና እንተላይ ካብ ናይ DDoS መጥቃዕትታትን ስርሰራታትን ንምክልኻል፡ ናይ በጻሕቲ ናይ IP ኣድራሻ ንምዝግብ ኢና። እዚ ምምስራሕ ዳታ Fedasil ብዛዕባ ድሕነት ሳይበር ካብ ዘለዎ ሕጋዊ ግዴታ ተበጊሱ ዝካየድ እዩ።
ኣብ ቻትቦትዝኣቱ ዳታ
ብጌጋ ኣብቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታና ዝርከብ ቻትቦት ውልቃዊ ዳታ ምስ እተእትዉ፡ እቲ ዳታ ብቕዓት ናይቲ ቻትቦት ንምምሕያሽ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ይዕቀብ፣ በዚ ድማ ብዛዕባ መስርሕ ዕቚባን ናይ ሓገዝ ንዋትን ትኽክለኛ ዝኾነ ሓበሬታ ምሃብ ኣብ ዝብል ተልእኾና ንምስላጥ ይጠቅም። እዚ ዳታ እዚ ብመሰረት ናይ Fedasil ተልእኾ፡ ንሱ ድማ ህዝባዊ ኣገልግሎት ምሃብ ዝብል ተልእኾ ይምስራሕ ማለት እዩ።
ዳታኹም ብኸመይ ብውሕስነት ይሕሎ?
Fedasil ውልቃዊ ዳታ ካብ ሓደጋታት ወይ ዘይሕጋዊ ዕንወት፡ ብጌጋ ምጥፋእ፡ ብዘይፍቓድ ምምሕያሽ፡ ብዘይፍቓድ ምዝርጋሕ ወይ ብዘይግቡእ ምጥቓም ከምኡ'ውን ካልእ ዝኾነ ዘይሕጋዊ ምምስራሕ ንምክልኻል ግቡእ ቴክኒካውን ትካላውን ስጉምትታት ይወስድ።
ተቐበልቲ ዳታኹም መን እዮም?
ዳታኹም ናብ ሳልሳይ ኣካል ሃገራት ወይ ዓለምለኻውያን ውድባት ኣይክሰጋገርን እዩ።
ምምስራሕ ውልቃዊ ሓበሬታ ብሰራሕተኛታት Fedasil እዩ ዝካየድ። ሰራሕተኛታት ብመሰረት ኣብ ኮድ ስነ-ምግባር Fedasil ዝተቐመጠ ናይ ምስጢር ምሕላው ወግዓዊ ግዴታ ኣለዎም። ገሊኦም ሰራሕተኛታት፡ ከም ዶክተራት ዝኣመሰሉ፡ ድማ ናይ ሞያዊ ምስጢራውነት ግዴታ ኣለዎም። ሰራሕተኛታትና ብዛዕባ ኣገዳስነት ብሕትውናን ሓለዋ ዳታን ቀጻሊ ስልጠና ንምሃብ ዝከኣለና ንጽዕር።
ሰራሕተኛታት Fedasil ካብ ግዳማውያን ወሃብቲ ኣገልግሎት ዝተገዝኡ ዝኣውቶሙ ስርዓት ሓበሬታታት (automated information systems) ይጥቀሙ።
ከምኡ'ውን፡ Fedasil ምስ ዓውዲ ምሕደራ ሰብኣዊ ጸጋታት ብዝምልከት፡ ሕጋዊ ሓገዝን ምስኡ ዝተተሓሓዙ ናይ ድጋፍ ኣገልግሎታትን ዝምስርሑ ግዳማውያን ኣካላት የሳትፍ እዩ። እዞም ግዳማውያን ኣካላት እዚኦም ምስ ስምምዓት ምምስራሕ ዳታን ተግባራውያን ዝኾኑ ሕግታት ሓለዋ ውልቃዊ ዳታን ተሰማሚዖም ኣብ ክንድን ኣብ ትሕትን ስልጣን Fedasil ይሰርሑ።
ውልቃዊ ዳታኹም ንኽንደይ ግዜ ንሕዞ?
Fedasil ንውልቃዊ ዳታ ብመሰረት ሕጋዊ ናይ ዕቀባ ግዜን ውሽጣዊ ናይ ኣርካይቭ ውጥናትን ይሕዞ። ውልቃዊ ዳታ ካብቲ ዝግባእ ግዜ ንላዕሊ ኣይተሓዝን እዩ። ናይ ዕቀባ ግዜ ምስ ተወድአ፡ ውልቃዊ ዳታ ይድምሰስ።
መሰላትኩም
ብመሰረት ምምስራሕን ሕጋዊ መበገሲን፡ ኣብ ውልቃዊ ዳታኹም ቁጽጽር ንምግባር እዞም ዝስዕቡ መሰላት ኣለዉኹም፦ ብዛዕባኹም ዝተታሕዘ ዳታ ናይ ምርኣይን ብነጻ ቅዳሕ ናይ ምርካብን መሰል ኣለኩም፦
ናይ ምርኣይን ቅዳሕ ምውሳድን መሰል፦ ብFedasil ዝምስራሕ ውልቃዊ ዳታኹም ክትርእዩን ብነጻ ቅዳሕ ክትወስዱን መሰል ኣለኩም።
ናይ ምእራም መሰል፦ ጌጋ ዘለዎ ውልቃዊ ዳታኹም ብዝቐልጠፈ ክእረመልኩም ናይ ምሕታተ መሰል ኣለኩም። ኣብ ትሕቲ ዕላማታት ናይ ምምስራሕ ዝግዛእ፡ ዘይተማልአ ውልቃዊ ዳታኹም ናይ ምምላእ መሰል ኣለኩም።
ናይ ምቅዋም መሰል፦፦ ኣብ ገለ ኲነታት፡ ብዝተፈላለዩ ምስ ውልቃዊ ኵነታትኩም ዝተሓሓዙ ምኽንያታት፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ምምስራሕ ውልቃዊ ዳታኹም ክትቃወሙ መሰል ኣለኩም።
ምምስራሕ ዳታ ናይ ምድራት መሰል፦ ኣብ ገለ ኲነታት፡ ኣብ ምምስራሕ ውልቃዊ ዳታኹም ደረት ክግበር ናይ ምሕታት መሰል ኣለኩም።
ናይ ምድምሳስ መሰል፦ ኣብ ገለ ኲነታት፡ ውልቃዊ ዳታኹም ብዘይምድንጓይ ክድምሰሰልኩም ናይ ምሕታት መሰል ኣለኩም።
ዳታ ናይ ምግዓዝ/ምስግጋር መሰል፦ ኣብ ገለ ኲነታት፡ ንFedasil ዝሃብኩምዎ ውልቃዊ ዳታ ብዝተዋደደ፡ ብልሙድ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ብዝኽእል ከምኡ'ውን ብኮምፒተር ክንበብ ብዝኽእል መልክዕ ናይ ምርካብን ናብ ካልእ ተቆጻጻሪ ናይ ምስጋርን መሰል ኣለኩም።
ፍቓድኩም ናይ ምንስሓብ መሰል፦ ምምስራሕ ውልቃዊ ዳታ ኣብ ፍቓድኩም ኣብ ዝምርኮሰሉ እዋን፡ ዝሃብኩምዎ ፍቓድ ኣብ ዝኾነ እዋን ከተንሳሕቡዎ ትኽእሉ ኢኹም።
ብዛዕባ መሰላት ብሕትውና ኣብ በልጅየምን ከምኡ'ውን ብዛዕባ ምምስራሕ ውልቃዊ ዳታ ተግባራውያን ዝኾኑ ሕግታትን ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ በዓል መዚ ሓለዋ ዳታ (Data Protection Authority) ክርከብ ይከኣል፦ www.gegevensbeschermingsautoriteit.be
መሰላትኩም ምትግባር
ሕቶኹም ናብ privacy@fedasil.be ወይ በቲ ናይ ርክብ ቅጥዒ ብምጥቃም ነዚ ምስ Fedasil ዘለኩም መሰላት ክትጥቀሙሉ ትኽእሉ ኢኹም። ኮምፒተር ምስ ዘይትረኽቡ፡ ሕቶኹም ብፖስታ ናብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ናብ ሓላፊ ሓለዋ ዳታ (DPO) ክትሰዱ ትኽእሉ፦
Fedasil
ናብ ዝምልከቶ ‘DPO’
Kartuizersstraat 21
1000 Brussels
ካልእ ሰብ መሰልኩም ክጥቀም ይፍትን ከምዘየሎ ንምርግጋጽ መንነትኩም ብዝተኻእለ ደረጃ ክንጽር ከምዘለዎ ነዘኻኽረኩም።
ብልሙድ ሕቶኹም ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ መልሲ ክወሃቦ እዩ። ሕቶኹም ዝተሓላለኸ ምስ ዝኸውን ወይ ብዙሕ ሕቶታት ምስ ዝህልወና፡ እቲ ግዜ ክሳብ ክልተ ወርሒ ክናዋሕ ይኽእል እዩ።
ዝኣውቶመ ውሳነ ምሃብ (automated decision-making)
እዚ መርበብ ሓበሬታ ወይ እቲ ቻትቦት ብኣውቶማዊ መገዲ ዝውሰድ ውሳነታት ኣይህቡን እዮም። እቲ ቻትቦት ናብ ውልቃዊ ፋይላት ናይ ምርኣይ ፍቓድ የብሉን ከምኡ'ውን መልስታቱ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ብዘሎ ትሕዝቶ ጥራይ ዝተመርኮሰ እዩ።
ጥርዓናትን ተወሳኺ ሓበሬታን
Fedasil ንውሕስነት እቲ ብሓላፍነት ዝሓዞ ዳታ ንምሕላው ኩሉ ጻዕሪ ይገብር። ክርክር ኣብ ዝፍጠረሉ፡ ናብ ናይ Fedasil ሓላፊ ሓለዋ ዳታ (DPO) (privacy@fedasil.be) ወይ ናብ
በዓል መዚ ሓለዋ ዳታ (DPA)ል-
Data Protection Authority
Drukpersstraat 35፡ 1000 Brussels
ጥርዓንኩም ከተቕርቡ ትኽእሉ።+32 (0)2 274 48 00
ምምሕያሻት ናይዚ መግለጺ ብሕትውና
Fedasil ነዚ መግለጺ ብሕትውና በብግዜኡ ክመሓይሾ ይኽእል እዩ። እቲ ንመወዳእታ ግዜ ዝተመሓየሸ ኣብ www.fedasilinfo.beኣሎ።
